Till sidans huvudinnehåll

Om förskolan på tigrinja

Här hittar du informationsmaterial om förskolan på tigrinja. Det finns också en informationsfilm textad på tigrinja.


ህጻናት ዘማእከለ ምስትምሃርን ምዕባለን

ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ውላድካ ምስ እኩባት፤ ዓበይትን ንኣሽቱን ሓቢሩ ሓደሽቲ ነገራት ይመሃርን
ይምዕብልን፡ ብመገዲ ጸወታ ጌሩ ፈጠራን ምርምርን የማዕብል። እቲ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ዝዋሃብ
ትምህርቲ መሰረት ናብ ናይ ነዊሕ ሂወት ጉዕዞ ዝጠመተ እዩ።
ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ዝሃብ ኣሰተምህሮ ኣነቓቓሕን ኣተባባዕን ኮይኑ ምስ ውጥን ምስትምሃር ዝሳነ
ሽቶታት ዘካተትን እዩ።
ናይ ቅድመ-ትምህርቲ፡ መደብ ትምህርቲ ብምንባብ እንታይ ሽቶታትን ዕማማትን ከምዘሎና
ክትፈልጥ ትኽእል። እቲ ውጥን መደብ ትምህርቲ ኣብዚ ተመልከት፡ skolverket.se.

ዘሐጉስ፡ ውሑስን ማሃርን

ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ህጻናት ክንክን ይግበረሎም፡ ውሕስነት ክስመዖም ድማ ምሳኻ ሓቢርና
ንሰርሕ። ኣብዚ ህጻናት ምስ ድልየታቶም ዝኸይድን ንኽምዕብሉን ሓገዝ ይግበረሎም። ብዋዛን
ጸወታን እንዳገበርና ንኽመሃሩን ክፈልጡን ሽውሃት ከምዝህልዎም ንገብር:፡
ህጻናት ዝንባለታቶም፡ ርእይቶታቶምን ድልየታቶም ምስ እንፈልጥ መደብ ትምህርቲ ክንሰርዕ
ይሕግዘና።

ውላድካ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ክጅምር ከሎ

ንውላድካ ንመጀመርያ ጊዜ ናብ ዘይትፈልጦ ቦታ ክትገድፎ ፍሉይ ስሚዒት ኣለዎ። ነዚ ካኣ እዩ
ቅድመ-ትምህርቲ ናይ መላለይ ሓበሬታ ጊዜ ንዓኻን ንውላድካን ዝግበረልካ። ኣብቲ ናይ ሓበሬታ
ጊዜ ንስራሕተኛታት ክትሓትትን ብዛዕባ ውላድካ ክትዛረብን ዕድል ኣሎካ። ሰለዚ ኩልና ሓቢርና
ነቲ ቤትትምርቲ ተዘዋዊርና ንርእዮን ምስ ስራሕተኛታትን ሓደስቲ መሓዙት ውላድካን ንላለ።

ንሕና ሓቢርና ንቅድመ-ትምህርቲ ከነማዕብሎ ኢና

ስራሕተኛታት ቅድመ-ትምህርቲ ምሳኻ ሓቢሮም ንውላድካ ምስ ኩነታቱ ዝኸይድ ጽቡቕ
ክንክንን ናይ ምምዕባል ዕድላት ክፈጥሩሉ ድልዋት ኢዮም።
ንሕና ንውላድካ ዝምልከት ንድልየታቱን ምዕባለታቱን ኣመልኪትና ናይ ዝርርብ ጊዜ ክንህበካ
ኢና። ከምኡውን ኣብ ንጥፈታት እትሳተፈሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ እዩ።
ነዚ ቅድመ-ትምህርቲ ዝምልከት ዓመታዊ ርእይቶታትካ እተገልጸሉ መሕትት ኣሎ። መልሲ
ርእይቶታትካ ኣሰራርሓና ከነማዕብል ሓጋዚ እዩ።

ኩሎም ህጻናት ሓደ መሰል ኣለዎም

ኩሎም ህጻናት ወሑስን ኣነቓቓሕን ኩነታት ክህልዎም፡ ካብ ዓሌታውን ደሃልን ኩነታት ነጻ
ክኾኑ መሰል ኣለዎም። ህጻናት ማዕረ መሰል ክህልዎምን ንኩሉ ዓይነት መድሃልቲ ክንከላኸሎ
ብንጥፈት ክንሰርሕ ኢና።
ንኣሰራራሓና ዝያዳ ክትፈልጥ፡ ንመሰል ማዕርነት ኣመልኪትና ምስ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት
ውዕል መሰል ህጻናት እንገብሮ ኣተሓሕዛ ክትርዳእ ምስ ስራሕተኛታት ቅድመ-ትምህርቲ
ተዛረብ።

ህንጥዩነት ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ቅድመ-ትምህርቲ

ቅድመ-ትምህርቲ ክትመርጽ ጊዚኡ ኣኺሉ ድዩ? ኣብ goteborg.se/forskola ኣቲኻ ሙሉእ
ሓበሬታን ኣድራሻታትን ኣብ የተቦርይ ናይ ዝርከባ ቅድመ-ትምህርቲ ክትረክብ ትኽእል።
ገሊአን ናብ ሓበሬታ ኣኼባ ክዕድማኻ ይኽእላ፡ ገሊአን ካኣ ባዕልኻ ደዊልካ ጊዜ ክትሕዝ ትኽእል።
ደሃይ እንተገበርካልና ካኣ ሕጉሳት ኢና።

ቦታ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ

  • ወላድካ ሓደ ዓመት ምስ መልአ ቅድመ-ትምህርቲ ክጅምር ይኽእል፡ ዋላ ንስኻ ሰራሕተኛ/ተመሃራይ ኩን።
  • እንተድኣ ንስኻ ሓደ ቆልዓ ሒዝካ ናይ ወለዲ ዕርፍቲ ኣሊኻ፡ ውላድካ 15 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ክጸንሕ ዕድል ኣለዎ። ስራሕ ኣብ ምድላይ እንተሊኻ ውላድካ 15 ወይ 25 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ክጸንሕ ይኽእል። ነዚ ናይ ሰዓታት መደብ ዝውስን እቲ ምምሕዳር ቅድመ-ትምህርቲ እዩ።
  • ካብ ወርሒ ነሓሰ ጅሚሩ 3 ዓመት ዝመልእ ቆልዓ 15 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ነጻ ናይ ቅድመ-ትምህርቲ ክረክብ መሰል ኣለዎ።
  • ኣብ ጊዜ ቀውዒ 6 ዓመት ዝመልአ ውላድካ ቤት ትምህርቲ ናይ ምጅማር ግዴታ ኣለዎ። ማለት ውላድካ ቅድመ-ትምህርቲ ኣብ መባእታ ይጅምር ኣሎ ማለት እዩ።

ቅድመ-ትምህርቲ ኣብዚ goteborg.se/forskola ከፊትካ ድለ።

እቲ መውዓል ህጻናት ዝኽፈተሉ ግዜ

ውላድኩም ኣብ መውዓሊ ህጻናት ኣብ ዝጅምረሉ ግዜ ኣብ IST Home Skola ትብል ኣፕ ኣቲኹም ትመልኡዎ ክፍለ ግዜ ኣሎ። እቲ ክፍለ ግዜ ውላድካ መዓስ መዓስ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ክህሉ ከም ዝዀነ፡ ግዜ ስራሕካን ናይ ጕዕዞ ግዜኻን ኣብ ግምት ብምእታው ዘርእይ እዩ። ናይቲ ቈልዓ ክፍለ ግዜ ዝውሰን በቲ ዝኽፈተሉ ሰዓታት ናይቲ መውዓሊ ህጻናት ናይ ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ግዜን እዩ። ነቲ ክፍለግዜ ክትቅይሮ ምስትደሊ እንተ ደንጐኻ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብታ ኣፕ ብምእታው ወይ ድማ ነቲ መውዓሊ ህጻናት ብጽሑፍ ብምሕባር ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ክፍለ ግዜ ግዝያዊ ለውጢ ክትገብር ምስትደሊ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። መእለዪ ህጻናት ኣብ ግዜ ምሸት፡ ለይቲ ወይ ድማ ኣብ በዓላት ምስትደሊ ቀትርን ለይትን ክፉታት ዝዀና መውዓል ህጻናት ኣለዋ። ንስኻ ዕረፍቲ ኣብ ትዀነሉ ግዜ ውላድካ ድማ ዕረፍቲ እዩ።

ውሱን ዝኽፈተሉ ሰዓታት

ኣብ ጊዜ ሓጋይ ቅድመ-ትምህርቲ ውሱን ክፉት ናይ ስራሕ ሰዓት ኣለዎ። ኣብ ጊዜ ሓጋይ ውላድካ መውዓሊ ህጻናት እንተደሊኻ ውሑዳት ቅድመ ትምህርቲ ኣገልግሎት ዝህባ ቤትምህርቲ ኣለዋ። ንኩሎም ሰራሕተኛታት ቅድመ-ትምህርቲ ዓቕሚ ናይ ምዕባይ ስልጠና ኣብ ዓመት ገለ መዓልታት ሓባራዊ ርክብ ክገብሩ ዕድል ኣለዎም። ኣብዚ ናይ ስልጠና መዓልቲ ክትሳተፍ ዕርፍቲ እንተዘየብልካ ኣብ ዝተሓርያ ቅድመ ትምህርቲ ብድሩት ዓቐን ቦታ ንመጽንሒ ውላድካ ክትረክብ ትኽእል። እተን እዋናውያን በዓላትን መዓልቲ-መጽናዕቲ ኣብዚ ተመልከት፡ goteborg.se/forskola.

ንሕና ናይ ስነዳ ስራሓት ንሰርሕ ኢና

ብሓገዛት፡ ንኣብነት ጽሑፍ፡ ስእሊ፡ ድምጽን ፊልምን ተደጊፍና ደረጃ ምዕባለን ትምህርትን ህጻናት እንዳተዓዘብና ንስንድ። ምስናድ ንህጻናት ዝምባሌኦም ንምንቕቓሕን ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። እዚ ስርዓተ ኣመሃህራና ከነዐርን ከነማዕብልን ይሕግዘና።

ኡኒኩም (Unikum)

ኡኒኩም ሓደ ኣፕ ኮይኑ መዓልታዊ ንጥፈት ውላድካ፡ ምዕባለታቱ ከምኡ ድማ ኣብቲ መውዓሊ ህጻናት ዘለዎ ኣመሃህራ ብዝምልከት ትከታተሉሉ እዩ። ኣብ ኡኒኩም ሰነዳት ከምኡ ድማ ካብቲ መውዓሊ ህጻናት ዝውሃብ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣሎ። ነዚ ድማ ኣብ App Store ወይ ከኣ Google ኣቲኻ ዳውንሎድ ግበሮ። ብተወሳኺ ኣብ www.start.unikum.net ዝብል መርበብ ሓበሬታ ’ውን ክትኣትዉ ትኽእሉ ኢኹም።

መግቢ - ሓደ ክፋል ናይ ምስትምሃር እዩ

ኣብቲ መውዓሊ ህጻናት እቲ መግቢ ሓደ ክፋል ናይ ክንክን ከምኡ ድማ ናይ ምስትምሃር ተግባር እዩ። መዓልታዊ ቍርሲ፡ ምሳሕ ጠዓሞት ይቐርብ። እቶም ኣብኡ ዝተኻተቱ መግብታት እቶም ቈልዑ ኩሎም መግብታት ዝበልዑዎም ምስ ዝዀኑ 70 ሚእታዊት ናይ መዓልታዊ ድልየታቶም ከም ዝረኽቡ ንምግባር እዩ። ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ምስ ከባብያዊ ሓለዋ ዝተኣሳሰረ ኣመጋግባ ኢና ንጥቀም። ንስነ ኣከባቢ ዝሰማምዑ መግብታት ኣብ ስነ ኣከባቢ ምርኩስ ዝገበሩ ኣብ እዋናውያን ንጥረ ነገራት ምርኩስ ዝገበሩ ብኣሕምልትን ጥረ ነገራትን ዝሃብተሙ እዮም። ውላድኩም ፍሉይ መግቢ የድልዮ ድዩ? እምበኣር ኣብቲ ናይቲ መውዓሊ ህጻናት መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ፎርም ክትመልኡዎ ኢኹም።

ፍረታት ፉል ኩልኩል እዩ

ኣብ ቅደመ-ትምህርቲ ፍረታት ከም ፉል፡ ማንደልን ሴሳምን ሒዝካ ምምጻእን ምቕራብን ኩልኩል እዩ። ምኽንያቱ ቁጠዐ ክፈጥሩ ሰለዝኽእሉ ኢዮም። እዚ ምኽልካል ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣከባቢ ቅደመ-ትምህርትን ኮይኑ መዓልታ’ውን ሙሉእ ሰሙንን የጠቓልል።

ውላድካ እንተሓሚሙ

ህጻናት ጥዑያት ክዀኑ ኣለዎም መታን ክጻወቱን ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ክሳተፉን። ሕማማት ንምውጋድ ካብ ምዕራባዊ ዞባ ዮታላንድ ንጽርየት ዝምልከት ዝመጸ መምርሕታት ክንክን ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ኣሎ። (HYFS)

ከምዚ እንተኾይኑ ውላድካ ኣብ ገዛ ይጽናሕ

  • እንተድኣ ውላድካ ድኻምን ምፍዛዝን ኣርእዩ’ሞ እቲ አብ ቅድመ-ትምህርቲ ዝገብሮ ንጥፈታት ክገብር ዘይካኣለ
  • ውላድካ ረስኒ ምስዝህልዎ ቅድሚ ናብ ቅድመ-ትምህርቲ ምኻዱ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ ካብ ረስኒ ነጻ ክኸውን ኣለዎ ።
  • ውላድካ ተላጋቢ ሕማም ምስዝህልዎ፡ ንኣብነት ቶንሲል/ ሓናት ሓሚሙ ምፍዋሰ ዝኣበየን ወይ ኣብ ትሕቲ ሕክምና እንሃልዩ ካብ ክልተ መዓልቲ ዝሓጸረ ተኾይኑ።
  • እንተድኣ ውላድካ ብቁስሊ ረኺሱ፡ ወይ ማይ ዝማዓጒ መበላይ ኮይኑ፡ እቲ ህጻን ቁስሉ ምስ ሓወየ እዩ ናብ ቅድመ-ትምህርቲ ዝምለስ።
  • እንተድኣ ውላድካ ተምላስን ውጽኣትን ሒዝዎ’ሞ ውላድካ ናብ ቅድመ-ትምህርቲ ክመጽእ ተኾይኑ፡ ውጽኣትን ተምላስን ደው ኢሉ ክሳብ 48 ሰዓታት ክጸንሕ ኣለዎ።

ደገፍን ምኽርን

ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ኩሎም ህጻናት ክምዕብሉን ጥዕና ክስመዖምን ተኽእሎታት ኣለዎም። ንሕና ምስ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም መማህራን፡ ናይ ዘረባ ክእለት ዝምህሩን ኪኢላታት ስነ-ልቦናን ሓቢርና ኢና ንስርሕ። ውላድካ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮ ምዃኑ ተፈሊጥካ ኣብቲ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ቦታ ንኽትረክብ እተእትዎ ቅጥዒ ኣነጺርካ ምልኣዮ። ቅድመትምህርቲ ምስ ጥዕና ህጻናት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ቤት ንባብ፡ ቤትትምህርቲ መባእታን ካልኦት ምስ ህጻንን ቤተሰብን ርክብ ዘለዎም ትካላት ሓቢሩ ይሰርሕ። ምምሕዳር ከተማ የተቦርን ምዕራባዊ ዞባ ዮታላንድ ወለዲ ንምትብባዕን ምሕጋዝን፡ ንኣብነት ከም ርክባት ምስ ወለዲ ወይ ምምኽኻር ምስ ወለዲ ንምግባር ምስ ኪኢላታት ከምዝራኸቡ ይገብር። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ከባቢኻ ንምፍላጥ goteborg.se/foraldrastod. ተወከስ።

ምስጢራውነትን ናይ ምሕባር/ ምምልካትን ግዴታን

ኩሎም ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ዝሰርሑ ምስጢር ናይ ምዕቃብን ምስ ውላድካ ርክብ ንዘየበሎም ሰባት ሓበሬታ ክህቡ ኣይፍቀድን። ስራሕተኛታት ካኣ ብመሰረት ሕጊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ምምልካት ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ ማለት ኩሎም ምስ ህጻናትን መንእሰያትን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ህጻን እንተተጎዲኡን ወይ ከምዝተሃሰየ ተጠርጢሩ ብዘለዎም ሞያዊ ሓላፍነት ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ከመልክቱ ጉቡእ ኣለዎም።

ኩሎም ህጻናት ውሕስነት ኣለዎም

ኩሎም ህጻናትን ተመሃሮን ኣብ የተቦሪ ህዝባዊ- መዝገብ ዘለዉ፡ ክሳብ 17 ዓመት ዕድመ ዝመልኡ ወይ ኣብ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዝመሃሩ ምስ ሓደጋ ዝተተሓሓዘ መግዳእቲ ክበጽሖም ከሎ ውሕሰነት ኣለዎም። እቲ ውሕስነት ንሓደጋ ዝምልከት ጥራይ እዩ። ንህጻንን ውሕስነት-ተመሃሮን ዝምልከት ኣብዚ ተመልከት፡ goteborg.se/forskola.

ክፍሊት ናይ ቅድመ-ትምህርቲ

ነቲ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ዝረኸብካዮ ቦታ ወርሓዊ ገንዘብ ክትኸፍለሉ ኢኻ ። ዓቐን ናይቲ ዝኽፈል በቲ ናይ ስድራቤትካ ድምር ኣታዊታት ተራእዮ እዩ። ንስኻ ናይ ኣታዊታትካ ጸብጻብ ዝሕብር ናብ ቅድመ-ትምህርቲ ትልእኮ። ንኣታዊታትን ኣከፋፍላን ዝምልከት ሓበሬታ ኣብዚ ተወከስ፡ goteborg.se/forskola.

ምምሕዳር ኣብያተ መውዓሊ ህጻናት

ምምሕዳር ኣብያተ መውዓሊ ህጻናት ንከባቢ 360 ኮምዩናውያን መውዓሊ ህጻናት፡ 40 መእለዪ ህጻናት ከምኡ ድማ 21 ክፉት መውዓሊ ህጻናት ብገምጋም 25 000 ቈልዑ ናይ ዮቶቦሪ ሓላፍነት ይወስድ። እቲ ምምሕዳር ብተወሳኺ ንገለልተኛታት ኣብያተ መውዓሊ ህጻናት ከምኡ ድማ ስድራቤታዊ መእለዪ ሓላፍነት ይወስድ። ብጠቕላላ ብገምጋም 7 000 ሰራሕተኛታት ኣብቲ ምምሕዳር ይሰርሑ።

Kontakta förskoleservice

Har du synpunkter eller frågor om förskolan så kan du kontakta förskoleservice.

Telefon

Telefon
031-365 09 60

Besöksadress

Gamlestads Torg 5
[{ "type":"Feature", "geometry":{ "type":"Point", "coordinates":[12.004993970299916,57.727959886790366] }, "properties":{ "title":"Förskoleservice", "content":"Gamlestads Torg 5" } }]

Postadress

Box 1116
405 23 Göteborg

Skicka din fråga till oss

Använd vårt kontaktformulär för att få hjälp med din fråga.

Kontakta förskoleservice
${loading}