Tigrinja
Är du utsatt för våld i en nära relation? - Tigrinja
ብመቕርብካ ንዓመጽ ተቓሊዕካ/ኪ’ዶ ትፈልጥ/ጢ?
ዓመጽ ኣብ መቕርባት ብዙሕ መልክዕ ኪሕዝ ይኽእል። ሓደሓደ ግዜ መጻምድትኻ ንዓመጽ የቃልዓካ፤ ስሕት ኢሉ ኸኣ ካልኦት ኣዝማድካ (መቕርብካ)። ቈልዑ’ውን ንወለዶም ንዓመጽ ኬቃልዕዎም ይኽእሉ’ዮም። ዓመጽ ስነ-ኣእምሮኣዊ: ኣካላዊ ወይ ወሲባዊ ኪኸውን ይኽእል። ንኣብነት: ንገለ ካብዞም ዚስዕቡ ዚምልከት ኪኸውን ይኽእል፤ እቲ ንዓመጽ ዜቃልዓካ ሰብ:-
- ሕማቕን ሕሱምን ጸርፊ ይጸርፈካ/ኪ፤ ወይ ሕማቕን ኣሸጋሪ/ትን ምዃንካ/ኪ የስምዓካ/ኪ
- ይደፍኣካ/ኪ: ይወቕዓካ/ኪ: ይቐልዓካ/ኪ: ወይ ብኻልእ ኣገባብ ይጐድኣካ/ኪ
- ይቈጻጸረካ/ኪ: ይድርተካ/ኪ፤ ዘይደለኻዮ/ኽዮ ነገር ክትገብር/ሪ ይግድደካ/ኪ
- ጠባይካ/ኪ ወይ ቅዲ ህይወትካ/ኪ ክትቅይር/ሪ ይግድደካ/ኪ
- ንርክብ ስጋ ይግድደካ/ኪ
- ንቝጠባኻ/ኺ ይቈጻጸር
ንዕቝባን ደገፍን መሰል ኣሎካ/ኪ
ዝኾነ ሰብ ብመቕርቡ ዓመጽ ኪወርዶ ይኽእል’ዩ። ንዓመጽ ዝተቓላዕካ/ኪ: ሓበሬታ ክትረክብ/ኽቢ: ዕቝባን ደገፍን ክትረክብ/ኽቢ: ብኣኽብሮትን ብምድንጋጽን ክትተሓዝ ኣለካ። መሰልካ/ኪ እዩ። ደቂ እንተ ኣሎዉኻ/ኺ እውን ደገፍ ኪረኽቡ መሰል ኣሎዎም።
እዞም ዚስዕቡ ደገፋት ምርካብ ይከኣል:-
- ዝርርባዊ ደገፍ
- ዕቝባን ግዜያዊ ገዛን
- ምስ ካልኦት ትካላት መንግስቲ ርክብ ንምግባር (ንኣብነት ምስ ፖሊስ) ደገፍ ምሃብ።
ምሳና ርክብ ግበር/ሪ’ሞ ክንሕግዘካ/ኪ ኢና። ስምካ ክትሓብእ/ኢ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ።
ኣብ ህጹጽ ሓደጋ ኵሉሳዕ 112 ደውል/ሊ።
ዚርከብ ሰብ:
- ንጥፈት: Kriscentrum för kvinnor
- ኣድራሻ ኢ-መይል: kriscentrum.for.kvinnor@socialcentrum.goteborg.se
- ቍጽሪ ስልኪ: 031-367 93 80
- መካነ-መርበብ: goteborg.se/kriscentrumforkvinnor
- ናይ ምብጻሕ ኣድራሻ:: Carl Grimbergsgatan 7