Tigrinja - ትግርኛ


ሕብረተሰብኣዊ ውህደት ማእከል ከተማ ዮተቦርግ ፡ መራኸቢ ቦታ ንሓደስትን ገዳይምን ሽወደናውያን።

ከም ሓዲሽ መጻኢ ንምጅማር ሓዲሽ ሂወት ኣብ ሽወደን ብዙሓት ኣገድስቲ ጉዳያት ትረክብ ።

# ሕብረተሰብኣዊ ሌላ መምርሒሓበርቲ ሕግታት ትምሃር፡ ከመይ እዩ ሕብረተሰብ ሽወደን፡ ሓጺር ትምህርቲ መዓልታዊ ሂወት፡ ብግብራዊ መናባብሮ ከመይ ይመስል፡ እቲ ሕብረተሰብ ከመይ ይሰርሕ፡ ናትካ  ውልቃዊ መሰልን ግቡእ ሓላፍነትን እንታይ እዩ። ከሉ እዚ ትምህርቲ ብትውልዲ ሃገርካ ቋንቋኻ ትመሃሮ።

# ኣብ ክፍሊ ሓበሬታን ምኽርን ቤት ጽሕፈት ከኣ ዝኾኑ ዝመጹኻ ደብዳቤታት ምትርጓምን ዝምላእን ሰንጠረጅን፡  ምስ ዝተፋላለዩ ትካላት መንግስቲ ምርኻብን ሙሉእ ሓገዝ ትረክብ፡

# እዚ ሕብረተሰባዊ ሌላ ማእከል ንዘዳልዎ ብነጻ ድሌት ዝካየዱ ዝተፋላለይ ንጥፈታት ምሽታዊ ርክባት ክትዕ ብጉዳይ ባህሊ፡ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ሓጺር ትምህርቲ ኣብ ሽወደን ብኸመይ ወላዲ ትኸውንን ስድራ ምቋም እንታይ የድሊ፡ ክሳብ ናይ መባእታዊ ትምህርቲ ናይ ዳታ እውን ኣሎ።

መርሓባ  ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ሌላ ማእከል !