ትግርኛ/Tigrinja

ሀልሶተከት ምእንቲ ጥዐናኻ ከተማዕብል ምንቅስቓሳት ንኽትገብር ይዕድመካ። ኣብዚ ኣገባብ እዚ ድማ ብዛዕባ ጥዕና ብዙሕ ፍልጠት ትቐስም፤ ብዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት፤ ብጉጅለ ወይ ብውልቃዊ፤ ኮርስታትን፤ኣስተምህሮታትን፤ ውልቃዊ ብዛዕባ ጥዕና ዝርርብን፤ ከምኡእውን ናይ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትን ብምክያድ ሓሽቲ ሰባት ትላለ። ኩሉ እዚ ምንቅስቓሳት እዚ ብነጻ እዩ ዝወሃብ። ኩሎም ሰባት ኣብዚ ምንቅስቓሳት እዚ ክሳተፉ ይኽእሉ፤ ኩነታት ጥዕና፤ ወይ ናይ ምውስዋስ ኣካላት ልምዲ ምስዘይህልወካ ፤ ክእለት ቋንቋ፤ ብዘየገድስ። ኩሎም እነካይዶም ምንቅስቓሳት መጺእካ ክትሳተፍ (ድሮፕ- ኢን) ብዘይ ቆጸራ ምሓዝ ብዘይካ እቲ ኮርስታት ምምዝገብ ዘድልዮም እንተዘይኮይኑ ክትሳተፍ ትኽእል። ኩሎም መደባት ምንቅስቓሳትናን ተወሳኺ ሓበሬታን መደባትን ማለት ፕሮግራማት ክትረኽቦም ትኽእል። ሕቶታት ወይ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስዘድሊ ክትራኸበና ትኽእል። ብድሓን ምጻእ!

ሀልሶተከት ኣብ ኣንገረድ

ቁጽሪ ስልኪ 031-365 11 44
halsoteket.angered@socialnordost.goteborg.se

ሀልሶተከት ኣብ ምብራቓዊ ዮተቦሪ

ቁጽሪ ስልኪ 031-365 44 70
halsoteket.ogbg@socialnordost.goteborg.se