ትግርኛ/tigrinja
ሃልሶተኬት ጥዕናኻ ንምምሕያሽ ምውስዋስ ኣካላት ክትገብር ይዕድመካ።
በዚ መንገዲ ብዛዕባ ጥዕና ብዙሕ ትመሃር፤ ብዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት፤ ብጉጅለ ወይ ብውልቂ፤ ኮርሳትን ኣስተምህሮታትን፤ ውልቃዊ ናይ ጥዕና ዝርርባትን፤ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ንጥፈታት ከምኡ’ውን ምስ ሓደስቲ ሰባት ምርኻብ። እዚ ኩሉ ንጥፈታት ብነጻ እዩ። ኣብዞም ምንቅስቓሳት ኩሉ ሰብ ክሳተፍ ይኽእል እዩ፤ ኩነታት ጥዕና፤ ወይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እንተዘይለሚድካ፤ ናይ ቋንቋ ክእለት፤ ብዘየገድስ። ኩሎም እንውድቦም ንጥፈታት ብዘይ ቆጸራ ድሮፕ-ኢን ኮይኖም እቶም ኮርሳት ምዝገባ ዘድልዮም እንተዘይኮይኑ።
ኩሉ ንጥፈታትናን ተወሳኺ ሓበሬታን መደባትን ክትረኽቡ ኢኹም። ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ወይ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ እትደልዩ ርኸቡና። እንቋዕ ናብ ሃገር ብሰላም መጻእኩም!
Hälsoteket i Nordost
Kontoret i Angered
- Telefon
Kontoret i Kortedala
- Telefon